abraham woldehawariat afkirkani şarkı sözleri

ፍቅርኻ ብብርዐይ ክጽሕፎ ጀመርኩ ቀለመ ኣግዲዑኒ ሽዓ ተጸንቂቑ ኣይከኣልኩን ከቶ ሓሳበይ ክገልጾ እምብዛ በሪኽ ኢዩ ፈጺመ ዘይበጽሖ ኣየወዳድሮን እቲ ፍቅርኻ ኣየወዳድሮንየ ምስ ካልእ ፍቅርኻ ካብ ኣእምሮይ ንላዕሊ'ዩ ካብ ኣእምሮይ ንላዕሊ'ዩ ብዘይ ምኽንያት ኣፍቂርካኒ እንታይ ዝኸፍሎ ኣሎኒ ንዘልኣለም ኣፍቂርካኒ እንታይ ውሬታ ኣሎኒ ብምህሙነይ ከለኹ ዝለመሰ ኣካል ተስፋ ኣብ ዝሰኣንኩሉ ብዘይ ፍረ ክኾልል ካብ ላዕሊ ካብ ሰማያት ካብ ኣቦ ብሃንደበት ከዲንካ ኣሟሚቕካኒ ብፍቅርኻ ክጉልበብ ጸላእተይ ብጠቅላላ እንክብሉኒ ኣኸለ ጸላእተይ ብሓበራ እንክብሉኒ ኣኸለ ንምንጫት ኣስናኖም ዝዘርየለይ ከምዘየለ ኣነ ግና ኣለኹ ብፍቅርኻ ተኸሊለ ማይ ክትሰቲ ዘይኮነ ንሰማርያ መጺኻ ፍቅሪ ከተስትየኒ ካብ ዘይውዳእ ዒላኻ ንታሪኸይ ለዊጥካ ጌርካኒ ባርያኻ ንሕሉፈይ ደምሲስካ ቀይርካኒ ባርያኻ ኣየወዳድሮን እቲ ፍቅርኻ ኣየወዳድሮንየ ምስ ካልእ ፍቅርኻ ካብ ኣእምሮይ ንላዕሊ'ዩ ካብ ኣእምሮይ ንላዕሊ'ዩ written ByAbrahamWoldehawariat
Sanatçı: Abraham Woldehawariat
Türü: Belirtilmemiş
Ajans/Yapımcı: Belirtilmemiş
Şarkı Süresi: 6:31
Toplam: kayıtlı şarkı sözü
Abraham Woldehawariat hakkında bilgi girilmemiş.

Fotoğrafı