d.robel zerahaimanot wedi-gedam kidane mhret şarkı sözleri
ኪዳነ-ቃላ
ዮሓ19፣26-27: ኢየሱስ ነዲኡ፣ነቲ ዘፍቅሮ ወዲ መዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉ ምስ ረኣየ ነዲኡ፣ "ኣቲ ሰበይቲ! እንሆ ወድኺ" በላ። ነቲ ወዲ መዝሙር ከኣ "እንሃ ኣዴኻ" በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ።
ኪዳነምሕረት ኪዳነ ቃላ
ነዛ ነፍሰይ ፍቕርኺ ጽላላ
ማዕበላት ናይ ዓለም ከየናውጹኒ
ዝድሕነላ መርከብ ጎይታ ዝሃበኒ(2)
================
'ቲ ፍጹም ኣፍቂሩ ስለይ ዝተሰቅለ
ሓጥያተይ ክድምስስ መስቀል ዝወዓለ
ኣብቲ ግዜ ጭንቂ ኣብ ግዜ መከራ
ባዕሉ እንድዩ ሂቡኒ ጎይታይ ብሓደራ
ባዕሉ ካብ ሃበኒ ኣነ እንታይ ኣሎኒ
ንዓኺ ንምውሳድ'ታይ'ዩ ዘፍርሓኒ
ናይ ሰማያት ሃብቲ ብጸጋ ምልእቲ
ኪዳነምሕረተይ ናይ ልበይ ዕረፍቲ
=========ኣዝ==========
ክወድቅ ክትስእ ሽግር ከቢድኒ
ዓለም ብገፍሓ ንዓይ ክትጸበኒ
ሽግረይ ዘዕልሎ ጭንቀይ ዘካፍሎ
መን'ዶ ኔሩኒ'ዩ ከምዚ ኮይነ ዝብሎ
ኣፍይ ከይከፈትኩ ኣድልዩኒ ዘሎ
ሽግረይ ትርዳእ ከማኺ መን ኣሎ
ወትሩ እንክርእዮ ሓጎስ ዝወረኒ
ኪዳነምህረተይ ስእልኺ ኣሎኒ
========ኣዝ========
ሂወተይ ጸልሚቱ ከማዕዱ ንብርሃን
እስኺ'ኺ ባናይ ተስፋ ጩራይ ምድሓን
ድኽመት ናይ ባርያኡ ጎይታ ተመልኪቱ
ኣባኺ ኣንበረ ኪዳን ናይ ምሕረቱ
ንዓኺ ኦ ኣደይ እንተዘይገድፈለይ
ሕጂ'ታይ ምኾነ 'ቲ ዕጫ ዕድለይ
ዝሕሻ ዝፈልጥ ነዛ ነብሰይ ልዕለይ
ዝሓበኒ ጎይታ ተመስገን'ዩ ቃለይ
========አዝ=========
ናብራይ ከማሓይሽ ስደት ምስ ኣምራሕኩ
ናብ ዘይፈልጦ ቦታ ባሕሪ ምስ ሰገርኩ
ጸገመይ ዝርዳእ ወገን ኣብ ዘይብለይ
ቤትኪ ምስ መጻኹ ኩሉ ለዊጥክለይ
ትፈልጥዮ እንዲኺ'ዚ ናይ ስደት ናብራ
ውሉድኪ ንምድሓን ዘሕለፍክዮ መከራ
ተስፋይ ንኸይጽንቀቅ ብብዝሒ ፈተና
ተስፋ ኮንክኒ'ኺ ኣብ ዝኸዶ ጎደና
=========አዝ=======
ግጥሚ= ዲ.ሮቤል መድሓኔ(ወዲ-ገዳም)
ዜማ= ዲ.ሮቤል መድሓኔ(ወዲ-ገዳም)
ስለ ኹሉ ነገር እግዚአብሔር ይመስገን