d.robel zerahaimanot wedi-gedam medhanie alem şarkı sözleri
ምሳይ ኢኻ
መዝሙር ዳዊት 23
4፤ በትርኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣
ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣
ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣
ክፉእ ኣይፈርህን እየ።
ብርባርባ ድነ ሞት ተኸድኩ
ኣይክፈርህን'የ ወላ ተወደቅኩ
ተጸልመተ ንስኻ ብርሃነይ
ተደኸምኩ ንስኻ'ኻ ሓይለይ
==================
ካብ ዓደይ ርሒቀ ስደት ምስ ሰፈርኩ
ኣብ ዓጸድ ናይ አህዛብ ምንባር ምስ ጀመርኩ
ኣብቲ ጥርዚ ክፋትኣብቲ ጫፍ ጭካነ
ኣብ ዘለዎ ቦታ ምንባረይ ተኾነ
ኣለኻኒ መድህን ናይ ሂወተይ
ኣብ ዝኸዶ'ስኻ ኢኻ ተስፋይ
ክፍእ የለን ኮቶ ዘፍርሓኒ
ንዘልኣለም ኣብ ቤትካ ኣንብረኒ
===========ኣዝ========
እቲ ዝሪኦ እቲ ዝሰምዖ ኩሉ
ዜናታት ሓዘን'ዩ ሓጎስ'ውን ዘይብሉ
ኸይሕለል 'መታን ከይጽልምት'ውን ተስፋይ
ከይገልግል ዓለም ሰላም ደሊዩ ውሽጠይ
ኣለኻኒ መድህን ናይ ሂወተይ
ኣብ ዝኸዶ'ስኻ ኢኻ ተስፋይ
ክፍእ የለን ኮቶ ዘፍርሓኒ
ንዘልኣለም ኣብ ቤትካ ኣንብረኒ
===========ኣዝ=========
ጉያጉያ ናብራ ንምድላይ እንጀራ
ንመክሰብ ናይ ስጋይ ንነፍሰይ ክከስራ
ኩሉ ኣይተረኸበን እንትርፎ መከራ
ኢድካ ዘይብሉ ኣቦይ ከቢድ'ዩ ናብራ
ኣለኻኒ መድህን ናይ ሂወተይ
ኣብ ዝኸዶ'ስኻ ኢኻ ተስፋይ
ክፍእ የለን ኮቶ ዘፍርሓኒ
ንዘልኣለም ኣብ ቤትካ ኣንብረኒ
===========ኣዝ=========
ጸግዐይን ዋልታይን ንስኻ ኢኻ'ሞ
የለን ዘፍርሓኒ ንጽባሕ ዝሓልሞ
ሳህልኻን ምሕረትካን እንዳ ሰዓባኒ
ንዘልኣለም ጎይታ ኣብ ቤትካ ኣጽንዓኒ
ኣለኻኒ መድህን ናይ ሂወተይ
ኣብ ዝኸዶ'ስኻ ኢኻ ተስፋይ
ክፍእ የለን ኮቶ ዘፍርሓኒ
ንዘልኣለም ኣብ ቤትካ ኣንብረኒ
====================
ግጥሚ= ዲ.ሮቤል መድሓኔ(ወዲ-ገዳም)
ዜማ= ዲ.ሮቤል መድሓኔ(ወዲ-ገዳም)
ስለ ኹሉ ነገር እግዚአብሔር ይመስገን