nahom ghebries kmexekiye (ክመጸኪ`የ) şarkı sözleri

ክመጻኪ'የ መዓልታት ሓሊፉ ኮይኑ'ሎ ዓመታት እዋን ዳ'ሓለፈ ገዲፉ ዝኽርታት ኣነ'ሞ ኣለኹልኪ ምስ ገበታ ፍቕረይ መስርሕ ሂወት ኮይኑ ንበር ካባኺ'ዶ ይፍለይ ኣቲ ካብ ዓይኒ ምበር ካብ ልበይ ዘይትገሊ ጸዋሪት ንኹሉ ምጽማም ትኽእሊ ምስ ትበርቕ ጸሓይ ክበርቀልኪ'የ ወለሎ ብዋሓዚ ፍቕርና ልብኺ ከጥልሎ ክመጸኪ'የ ኣነ ከግዝመኪ ፍቕሪ ኣብ ዝባነይ ሰቂለ ከንብረኪ ብኽብሪ መዓስ ዘይበሃግኩ ትማሙቕ ሕቑፈኺ መዓስ ዘይሃረፍኩ ዛራ ናይ ላዛኺ መዓስ ዘይናፈቕኩ ዘልመድክኒ ሂወት መዓስ ዘይዝክሮ ዘውሓዝክለይ ለውሃት ግዜ'ንዶ'ሎ ኮይኑ ገባሪ ሓዳጊ ብሰብ ዘይዳነ ሓቀኛ ፈራዲ መስርሕ ሂወት ኮይኑ ካብ ተፈላለና ኣብ ዘዘለናዮ'ስ ኣይንሰነፍ ኢና ድሕሪ ምፍልላይ ግድን'ዩ ምርኻብ ፍረ ምጽማምና ዓስብና ክንረክብ ኣብቲ ጎይታ ዝብሎ ኣብ ንሱ ዝፈረዶ ኣብቲ ልክዕ እዋን ግዜ ኣብ ዝፈቐዶ ክመጻኪ ናተይ ክህሉ ምሳኺ ንኹሉ ስዒረ ከርዊ ጽምእኺ ክመጽ'የ ክመጽእ ክህሉ ኣብ ጎንኺ ክመጻኪ'የ ጽንሒ ምስ ምሉእ ፍቕርኺ """Leley.k.m.
Sanatçı: Nahom Ghebries
Türü: Belirtilmemiş
Ajans/Yapımcı: Belirtilmemiş
Şarkı Süresi: 4:48
Toplam: kayıtlı şarkı sözü
Nahom Ghebries hakkında bilgi girilmemiş.

Fotoğrafı